(June-20 Series No. 1) The Price of Independence -- መስዋእቲ-ዋጋ ሓርነት
Submitted by esmart on Fri, 06/12/2015 - 03:27መቐረት ናጽነት ንዓና ንኤርትራውያን ኣዝዩ ክቡር እዩ። ምቁር እዩ። ብዋጋ ዘይትመን ህያብ ስውኣትና እዩ። እቲ ምንታይ ውሑዳት ክንስና፡ ኣብ ታሪኽ ዝኣበስናዮ በደል ዘይብልና ከሎና፡ ሕማቕ ናይ ታሪኽ ኣጋጣሚ ስለዘጋጠመና ግን መግዛእትነት ንምምሓው ልዕሊ ዓቕምና መስዋእትነት ከፊልና። እዚ ትዕድልት’ዚ መሪጽና ዝኣተናዮ ዘይኮነስ፡ ካብ ባርነት ንምግልጋል ሓደ ምዕቡል ወለዶ ክኸፍሎ ዘለዎ ዋጋ ሓርነት ስለዝኾነ ክቡር ዋጋ ክንከፍል ድልዋት ስለዝኾና እዩ።