June 20 Series No. 8 A Recurring Rememberance

እንደገና ዝመላለስ ዝኽሪ!
ተወልደ ብእምነት
Click here for the pdf version

ድሙቕ ሓያል ዘይሃስስ ዝመላለስ ዝኽሪ፡ እኳ ድኣ መመሊሱ ዝሕደስ ዝኽሪ፡ ዝኽሪ ናይ’ቲ እቲ ኹሉ ዝሓለፈ ሕሰም፡ ዝኽሪ ናይ’ቲ ነዊሕ ስቓይ ግፍዒ ውርደት ሓሳረ-መከራ፡ እቲ ዝተሓላለኸን ዝተነጸረን ዝኽሪ! መመሊሱ ኣብ ኣእምሮይ እግንፍል እመላለስ፡ ፈልፋሊ ዋሕዙ ዘየቛርጽ ዝኽሪ፡ መዕለቢ ዘይብሉ፡ ስቕ ኢለ እዝክር።

ናይ’ቶም ኣብ ፍቐዶ ኣንጎሎታት ከተማታትን ገጠራትን፡ ብስልኪ ዝተሓንቁ መንእሰያት ተማሃሮን፡ “ብቀይ-ሽብር” ኣብ ጎደናታት ሬሳታቶም እተጎቱ ንጹሃት ዜጋታት፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝሓቐቑ፡ ብጃምላ ኣብ ጋህሲ ዝተደፍኑ፡ እናራኣዩ እናሰምዑ ብህይወቶም ዝተቐብሩ፡ ዝኽሪ’ቲ ባርባርያዊ ግፍዕታት ማሕነቕቲ ናይ ኤለትሪክ ስልኪ፡፡ ዝኽሪ፡ ናይ’ቶም ብሰንሰለት ታንክታት ጸላኢ ኣብ ደምቢኦም ዝተጨፍለቑ ንጹሃት ሓረስቶት፡ ደሞም ዓጽሞም ምስ ሓመድ ዝተደባለቐ፡፡ ብቦምባ ናፓልም ዓድታት በልማማ ዝሓረራ፡ ፍጹም ዝተደምሰሳ፡ እንስሳታት መሮር ማልን ጥሪትን፡ እቶም ብልሙዕ ኣግራብ ዝተሰለሙን ዝገረሙን ኣኽራናት ፍጹም በሪሱ፡ ብሓዊ ባዲሞም፡፡ ማያት ተመሪዙ።

እወ፡ ነቲ ነዊሕ ስደትን ምዝንባልን ናይ አማኢት ኣሽሓት ሕጻናት ኣረጋውያ፡ ምውቕ ቤቶም፡ ንብረቶም ጥሪቶም ሓዲጎም፡ ብነፈርቲ እናተኸብከቡ ናብ ፍቐዶ በረኻታትን ሃገራትን ዝተበታተኑ፡ ፋሕ-ጭንግራሕ ዝኣተዎም፡ እወ፡ ኣጸቢቐ እዝክር፤ ሕሰም ምክልባትን ገልታዕታዕን፡ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ዘጋጥሞም ጥምየትን ጽምእን ኣደራዕን፡ እወ ኣምሪረ እዝክር።

እወ፡ እቲ መመሊሱ ዝሕደስ፡ መመሊሱ ዘተሓሳስብ መንፈስካ ዘየቕስን፡ መመሊሱ ናብ ድሕሪት መሊሱ ዝኽርኻ ዝብርብ ክትጽብጽቦ፡ እወ፡ ኣብ ቅድሜኻ ግትር ኢሉ ዝቕ ለካ ግፍዕታት፡ ኣዳቒቕካ ትዝክር። ኣብ መሳጊድ፡ ኣብያተ-ክርስትያናትን ኣድባራትን፡ መስጣ ሰላምን ድሕነትን ራህዋን ዝጽልዩን፡ ዝሰገዱን ዝተማህለሉን ኤርትራውያን፡ ብሓዊ ነዲዶም ብኻራ ተዘልዚሎም፡ ኣብ ምንቲ-ምንታይ? ኤርትራውያን ብምዃኖም ጥራይ፡፡ ዘስደምም፡ ዘቐንዙ ፍጻሜ ህልቂትን ግፍዕን፡፡ ንመንፈስካን ዝብርብር ንሕልናኻን ዕረፍቲ ዝኸልእ ፍጻሜ፤ መሊሱ ንድሕሪት መሊሱ፡ ንቕድሚት ብናህሪ ዝደፍእ፡ ንዝያዳ ጽንዓትን ብድሆን ቅልስን፡ ፍናንካ ዝስሕል፡ ጸዓት ዘመንጩ ዘየዛኒ ዝኽሪ፡፡

ዝኽሪ’ቲ ትእምርታዊ ተጋድሎ፡ ዘይንቡር ገድሊ፡ ናብራ ጸልሚቱ ምስ ጸንከረ፡ መሬት ከም ዓይኒ ዕንቝ ጸቢባ፡ መገላበጢ ተሳኢኑ፡ ንራህዋ ምስ ኣእወየት፡ ጻዊዒት ህዝቦም ዘዳመጹ፡ ሰላም ከውግሑ፡ ንሜዳ ዝወሓዙ፡ክንነብር ከይበሉ ህይወቶም ከይበቐቑ ዝተወፈዩ ምዑታት፡ ዉሉድ ንወላዲ፡ ወላዲ ንውልዱ፡ ናብርኦም ዛሕዚሖም፡ በጃ ህዝብን ሃገርን፡ ምእንቲ ሰላምን ራህዋን፡ ስለ ሰብኣዊ ክብርን፡ ንፍትሕን ርትዕን ዝወደቑ ሕሩያት፡ ብሉጻት ደቂ’ዚ ሓላል ህዝቢ።ንበይኖም፡ ኒሕን ሓቦን ራእን ተቐኒቶም፡ ኣብ ዝተናውሐ መሪር ተጋድሎ፡ ሓንቲ መዓልቲ ከም ዝዕወቱ ብዘይጥርጥር “ዓወት ንሓፋሽ” እናበሉ መኪቶም፡፡ እወ መኪቶም፡ ነቲ ብዘራያት ክሳብ ዓንቀሩ ዝዓጠቐ ፋሺስቲ ምስ ዘራያቱ፡ ኣብ ደ ን ደምበ  ጋኑ፡ ኣብ ጎቦታትን ስንጭሮን ዘፍ አቢሎም ዝሰዓሩ፡ ከመይ ብኣድንቖት ዘይዝክሮም? ንሓርነት ዝወደቑ ናይ ዓሰርተታት ኣሽሓት ለይለይ መንእሰያት፡ ካልኦት ኣሽሓት ኣእዳዎም፡ ኣእጋሮምን ኣዒንቶምን፡ ዘይትካእ ክፍሊ ኣካላቶም ዝኸፈሉ፡ ንቡር ናይ ምርኣይን ምስማዕን ምንቅስቓትን ዝተሓርሙ እናተዓዘብኩ፡ መዘና ዘይርከቦ መስዋእትን፡ ረ..ዚ..ን ዝኽሪ እዝክር።

ንልዕሊ ፍርቂ ዘመን ዝተኻየደ ምርብራብ፡ ሰውራ ከም ማዕበል ባሕሪ ክገላበጥ፡ ኩሉ ሓርጎጽጎጻት፡ ምዝላቕ ምድፋእ፡ ድሕሪ ናይ ሰላሳ ዓመታት ብረታዊ ትጋድሎ፡ ኣብ በረኻታት ከርተትን ዕርቃንን ድኻምን ጽምእን ጥመየትን፡ መርሃውቲ ንበይኖም፡ ብዘይዘራይ ኣብ ጎድኒ ህዝቦም፡ ካልእ ኣጆኹም ዝብሎም ዘይብሎም፡ ብመስተንከራዊ ጅግንነት ዝመከቱ። ዝተሰውኡ፡ መዳርግቲ ዘይርከቦም ሰብ ኒሕ፡ እዝክር! መመሊሰ እዝክር! ሓያል ዝኽሪ፡ መሪር/ምቍር ዝኽሪ ግን ከኣ ዘሐብን ዝኽሪ ድማ።
እወ፡ ዘሐብን ዝኽሪ፡ ዝኽሪ ሓዘን ምስቁርቛር፡ ዝድህል ዝርምስ ዝኽሪ ዘይኮነ፡ ዝኽሪ ዝሓለፍናዮ መዋእል፡ መዋእል ጅግንነትን ጽንዓትን፡ መዋእል ትብዓት ቆራጽነት፡ ጉዕዞ ጽቡቕ ኣንፈት፡ በቲ ሓደ ኢድ ብረት፡ በቲ ሓደ ኢድ ነዊት፡ እናተጋደለ እናተማህረ፡ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሱ ውሽጣዊ ሰባዊ ዓቕምን ባህርያዊ ጸጋታትን ምርኩስ ጌሩ፡ ንቕሓት ዓጢቑ ዝመከተ ዝኽሪ በዓል መትከል። ንኹሉ ተጻብኦታት ኣላሽ ኣቢሉ፡ ሽግ ናጽነት ዘንበልበለ ጅግና፡ ብጽሞና እዝክር።

እቲ ፍሉይ ብልሓትን ምስጢር ዓወትን እዝክር፡ እቲ ዘይጽንቀቕ ጸጋ ሓፋሽ ህዝቢ፡ ፈጣርን መሃዚ ክእለት ኤርትራዊ መንእሰይ፡ እወ እታ ዋዕሮ ኤርትራዊት ጓለንስተይቲ፡ ካብ ኣሰር ኣሕዋታ፡ ክጠንስ ክትወልድ ክትፈሪ ከይበለት፡ ነብሳ ዝረሰዐት፡ እታ ዝወለደት ከኣ፡ ውላዳ ሓዲጋ ኣብ ኵናት እተጠብሰት፡ ኣብ ማህጸና ድቂ ናጽነት ዝፈረየት፡ ብሓበን ብኽብሪ እዝክራ፡፡

እቲ ቅያ ናይ ቅያታት፡ ብውሕሉል ዘበናዊ ሰነ-ፍልጠት ቅዲ ኵናት ዝተሃንጸ፡ ብሰውራዊ ዲሲፕሊን ዝተሳሕለ፡ ህዝባዊ ሰራዊት፡ መርሆ ርእስኻ ምኽኣል ዝሕመረቱ፡ ኤርትራዊ ብልሓት፡ ኣብ መወዳእታ፡ ንኹሎም፡ ህላውነቱ ንምጥፋእ ዝኸሓዱ፡ ህላውነቱ ክቕበሉ ኣገዲዱ፡ ባንዴራ ነጻ ኤርትራ፡ ኣብ ቅርዓት ውድብ ሕቡራት ዓለም ብማዕረ ክትስቀል ዝገበረ ታሪኻዊ ፍጻሜ፡ እዝክር እሕበን ከኣ፡፡ ሓበን ክብሪ፡ ዝኽሪ ንዳግማይ ትንፋስን ትንሳኤን ዝሰኵዕ ዝኽሪ፡ ብዘይ ምሕላል ንቕድሚት ድፍኢት ዝፈጥር ዝኽሪ።

ዝኽርይ ዝተፈራራቐ ዝኽሪ፡ ዝኽረይ ነቲ ጥልመት፡፡ ዝኽሪ፡ ነዛ ዕሮትን ጋህምን ዝወረሳ ዓለም፡ እታ ካብ ዑረት ዓይኒ፡ ዕሮት ልቢ ዝደፈና፣ ናይ ምስትብሃል ምቁማት ምምዝዛን፡ ቅኑዕ ፍርዲ ካብ ምሃብ ሞራል ዝጸንቀቐት ዓለም፡ መመሊሱ ብኣንክሮት እዝክር፡፡ ዝኽረይ ከኣ ሓይሊ እናደለበ እመላለሰኒ፡ ንምንታይ’ሲ፡ ነቲ ናብ ኣርዑት ሕሰምን መከራን መግዛእታዊ ዉርደት ዝቖረነኒ፡ ደም ንጹሃት ዝኸዓወ ብድዐ ናይ ጥልመት ኪዳን፡ ቔናን ዘይርትዓዊ ፍርዲ፡ ኣጸቢቐ ስለ ዝ..ዝ..ክ..ር!
ንምንታይ’ሲ! እዚ ኹሉ ስቓይ፡ ውርደት ኣደራዕ መግዛእቲ ዋጋ ክንከፍል ዝፈረደና ዕውር ዓለም፡ ንሰላሳ ዓመታት ከም ሓንቲ መዓልቲ፡ ብዓረር ብረትን ቦምባን መዳፍዕን መርዛም ቀመማዊ ጋዝ ሓሪርና ክንጸንት፡ ካብ ገጽ ዓለም፡ ነበረያ-ነበረ ክንከውን፡ ዉዲት ዝኣለመ ተጻይ ክዝክር፡ መመሊሱ ዘነድር ዝኽሪ፡ ድቃስ ይኸልኣኒ፡ ንጸላእተይ ብቐጻሊ ክቛመት ክየዘኻኽረኒ፡፡

እቲ፡ ኣብ መዝገብ ዝኽሪ ኣንቢረዮ ዝነበርኩ ሕድገት፡ ኣመል ሰብ ሕማቕ ባህሪ ግን፡ ዝኽሪ ምዃን ተሪፉ እንደገና ብግህዶ መመሊሱ ክድግስ፡ ከስተብህል፡ ብሂወተይ ከለኹ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ክደጋገም ክርኢ እንከለኹ፡ ዝኽረይ መመሊሱ ይዛይድ። እሓሰብ፡ ሰለምንታይ ንዓና? እንታይ ስለ ዝኣበስና? ብሓሳበይ ኣበሳታት እፍትሽ፡ ፈቲሸ እስእን፡ እግምት፡ ናይ ግምተይ መደምደምታ ድማ፡ ሽግ ሓቂ ስለ ዘብራህና፡ እቲ ብርሃን ካልኦት ብርሃን ዝሓረሞም ውጹዓት ኣህዛብ ከይርእይዎ፡ ንኣብነትና ከይስዕቡ፡ ስግኣት ስለ ዝፈጠረ? ብጽንዓት ጠጠው ስለ ዝበልና? ተምበርካኽነት ስለ ዝነጸግና? ንሰብኣዊ ክብረን ፍትሕን መሰልን ንሰላምን ራህዋን ጠጠው ስለ ዝበልና? እዩ መስለኒ’ቲ ኣበሳና፡ ግምተይ ድማ ብሓቂ ኣብ ቦትኡ እዩ ኔሩ።

ዝኽሪ ዳግማይ ናይ ክሕደት ፈተነ፡ ዘይተጸበናዮ ክሕደት። ድፍረት ንላኣላውነት፡ ናጽነትና ንምዕቃብ፡ ዶባትና ብብቕዓት ንምክልኻል ብትብዓት ገጢምናዮ ተመኪቱ፡ ሽሾ ሰራዊት ጻላእቲ እንደገና ብትአምራታዊ ብልሒ ኤርትራውያን፡ ተላሒሱ፡ እወ፡ ሓመድ ሊሒሱ፡ ሃልሃል ዝብል ህያው ዝኽሪ! እቲ እንዳተኸላኸለ ዝሰዓረ ዓይኒ ንስሪ፡ ሃገር ዘጽንዐ እዝክር! ዳግም ብሉጻት ከዋኽብቲ ኸኣ ከፊልና፡ ዋርሲት ዋርሳይ ይካኣሎ እንደገና ሓሊፎም፡፡ እወ ኳዕናን እክኣሎ ሲዒቡ ንቐዳሞት! እቲ ኣቦ ጽንዓት ዋርሳይ ወራስ ትብዓት ጅግንነቱ..እወ፡ ብውዕዩ ቃል-ቃል ክብል ቅጅል እብለኒ! ሎሚ-ሎሚ ኮይኑ እስመዓኒ።

ዋርሳይ ክነብር ኔርዎ እብል፡ ብዓውታ ድምጸይ ከፍ ኣቢለ! ንምንባሩ ብሂገዮ ሃሪፈ። መታን ንዓይ ክጥዕመኒ፡ መታን ክህነጽ፡ ተሃኒጹ ክሃነጽ፡ ኤርትራ ክትደምቕ። ሕስብ እንተቢልካዮ? ካን’ዶ፡ ካልእ መንገዲ የልቦን ድዩ ንኽትነብር ኣብ’ዛ ዓለም? ዘብል ዝኽሪ። ንኽትነብር መስዋእቲ ብቀጻሊ ክትከፍል ጥራይ ድዩ እቲ ግድነት? እቲ መልሲ ንሱ ካብ ኮነ፣ እዚ ኹሉ ድምጽን ድምርን ዝኽርታት፡ ዘየቛርጽ ዘይነጽፍ ዝኽሪ፡ ንዓይ ንኹሉ መመምሃሪ ናይ ጻዊዒት ዝኽሪ’ዩ። ንቐጻሊ ወለዶ ከጥርየሉ ትሪ፡ መድሃኒት’ዩ መግቢ ኤርትራውነት ንኸይርስዕ ሕድሪ፡ “ኢለ እንተገምገምኩ” እወ፡ ንሱ’ዩ ውድዓዊ ገምጋመይ፡ ምግናን ኣይተጋነን? እዚ ዝኽሪ እዚ፡ ንመጻኢ ጕዕዞና እንዓቝሮ ስንቂ ጥበብ’ዩ፡፡ ተወሳኺ ምህሮ ተመክሮ፡፡ ቀላሲ መንኮርኮር መኸተና፡ መኸተ ስራሕን ግስጋሰን ህላውነትን ስለ ዝኾነ። እዚ ዝኽሪ እዚ ከመይ ኢሉ’ዩ እሞ ክሃስስ፡ ወለዶታት ዝውሓጠ ምሩጻት ዝተኸፍሎ ገድልን ታሪኽን። ስውኣትና ኣብ ውሽጥና ይነብሩ፡ ይበርሁ፡ ብኣታቶም ንርኢ ንምራሕ ንሓስብ ነስተንፍስ ንዋሳወስ፡ ስለ ዘሎና፡ ነቲ ዝተለምዎ ራእይን ለበዋን ክንቅጽሎ፡ ዝቕስቅስ ዝኽረይ ዝኽሪ ኩላትና፡ ኣብ መኣዲ ጽንዓት ዝዓሰልና ሰብ መብጽዓ፡ ሓሳብትና ብኡ ይቃነ።

ኮይኑ ኸኣ ዝኽረይ፡ ዝኽሪ ኮይኑ ኣይተርፍን፡ ዝኽረይ ህይወት ዘለዎ ዝኽሪ’ዩ፡፡ ዝኽሪ ናይ ሓደ ዕለት’ውን ኣይኮነን፡ ወትሩ ኣብ መዓሙቕ ልበይ ዝመላለስ፡ ህላዊኡ ንኣእምሮይ ዝበሓተ፡ ኣብ ኣንጉዕ ኣዕጽምተይ ዝሰረተ፡ ናይ’ቶም ምእንቲ ፍትሕን ሰላምን፡ ክብርን ናጽነትን ዝሓለፉ ኣሻሓት በራውር፡ ፋናን ብልጭታን እዩ፡፡ ንሳቶም ዝገደፍዎ ሕድሪ ንሳቶም ዘጽደቕዎ ባህሊ፡ ቃል ሕድሪ’ቶም ደቂ’ዚ ሓላል ህዝብን መሬትን፡ መሬት ታሪኽ ወለዶታት፡ መሬት ጅግንነት፡ ትማሊ ኣብ’ቲ ኣኽራናትን ስንጭሮታትን ብኣዕጽምቶም ዝተነድቀ ሃወልቲ፡ ብወርቃዊ ደሞም ዝተጸሕፈ ታሪኻዊ ለበዋ’ሎ፡፡ ብርሃን’ታ ቐንዴል ኣብ’ታ ዘይትድፈር ሃገር ተኾሊዑ ስለ ዘሎ፡ ብርሃኑ እናረኣኹ እሕደስ።

በዚ ብርሃን’ዚ እናተመገብና፡ በቲ ዝሃቡና ህይወትን ትንፋስን እናስተንፈስና ድማ፡ ንዝመጽእ ብድሆታት ብእምነት ብመትክል መኸተና ከነሐይል፡ ጕዕዞና ክንቅንጽል፡ ኣብ’ቲ ናይ መወዳእታ ርህዉ መዋእልን መዓልቦን ክንበጽሕ ንመርሽ! ስለ ዝኾነ ኸኣ፡ ዝኽረይ ንመጻኢ ጉዕዞይ፡ ጉዕዞ ኩላትና ብጥዕና ክንመርሕ፡ ደወል ተስፋን ጽንዓትን’ዩ።

ክብርን ዝኽርን፡ ነቶም ምእንቲ ራህዋን ሓርነትን ዝወደቑ ስውኣትና!
ወትሩ ዓወት ንሓፋሽ!!

AttachmentSize
A Recurring Remembrance.pdf287.03 KB